ሓገዝ ኣብ ቤት ፍርዲ

Help at court - Tigrinya (ትግርኛ)

ኣብ ቤት ፍርዲ ሓገዝ ንምርካብ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ። Legal Aid NSW (ሓገዝ ሕጊ NSW) ኣብ መላእ NSW ናብ ኩለን ናይ ከባቢ ኣብያተ ፍርዲን ካልኦት ብዙሓት ኣብያተ ፍርድን ናይ ድጋፍ ጠበቓታት ይልእኽ። ናይ ድጋፍ ጠበቓታት ኣብታ መዓልቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ንዘለዎምን እሞ ናይ ገዛእ ርእሶም ጠበቓ ዘይብሎምን ሰባት ይሕግዙ።

ንዓኻ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ናይ ደገፍ ጠበቓታት ወይ ኣብ Legal Aid NSW ይሰርሑ ወይ ድማ ብ Legal Aid NSW ዝኽፈሉ ናይ ውልቀ ጠበቓታት እዮም። ኣበይ ከምዝርከቡ ንምርኣይ ኣብ መርበብ ሓበሬታና Help at NSW courts and tribunals webpage ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

ቅድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድካ ሕጋዊ ዝኾነ ሓገዝ ክትረክብ ዝበለጸ እዩ። ንጋንታና ኣብ LawAccess NSW ብ 1300 888 529 ደውል ወይ ድማ ምስታ ጋንታ ኣብ ዌብቻት ንምዝርራብ chat with us ዝብል ቁልፊ ጠውቕ።

ናይ ድጋፍ ጠበቓታት

ሓገዝ ኣብ ከባቢያዊ ኣብያተ ፍርዲ Bankstown፣ Blacktown፣ Penrith፣ Mount Druittን Sutherlandን

ኣብዞም ዝስዕቡ ኣብያተ ፍርዲ ገበናዊ ጉዳይ ኣለካ ድዩ፡

  • ከባቢያዊ ቤት ፍርዲ Bankstown 
  • ከባቢያዊ ቤት ፍርዲ Blacktown 
  • ከባቢያዊ ቤት ፍርዲ Mt Druitt 
  • ከባቢያዊ ቤት ፍርዲ Penrith፣ ወይ
  • ከባቢያዊ ቤት ፍርዲ Sutherland?

ካብ ናይ ድጋፍ ጠበቓታት ሕጋዊ ሓገዝ ክትሓትት ቀሊል መንገዲ ኣሎ - ብቐሊሉ ናይ ኦንላይን ቅጥዕና ምልኣዮ። እቲ ቅጥዒ ቅልጡፍን ንኣጠቓቕማ ቀሊልን ኣብ ዝኾነ እዋን ክቐርብ ዝኽእልን እዩ። ምስ ቀረበ፡ ሓደ ኣባል ሰራሕተኛ Legal Aid NSW ዳግማይ ክድውለልካ እዩ።

ቁጽሪ H ናትካ እንተዘይፈሊጥካ፡ ምስ ተሓተትካ H0000 ኣእቱ። እቲ ቅጥዒ ነቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣብያተ ፍርዲ ጥራይ እዩ ክውዕል ዝኽእል።

ዝኾነ ሰብ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐርበሉ መዓልቲ ንውሱን ሓገዝ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ክቐርብ ይኽእል።

ጉዳይካ ዝያዳ ዝተሓላለኸ እንተኾይኑ፡ እቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ንኽናዋሕ ክትሓትት ክሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። እዚ ድማ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ውክልና ምእንቲ ክትረክብ ንጉዳይካ ክሳብ ዝቕጽል ግዜ የናውሖ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምኽሪ ሕጊና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ እንታይ ክገብረልካ ከም ዝኽእል ዝምልከት ደረት ኣለዎ። ናይ ድጋፍ ጠበቓ እዞም ዝስዕቡ ክገብር ይኽእል እዩ፡

  • ብዛዕባ ጉዳይካ ምኽሪ ይህበካ
  • ኣብ ቤት ፍርዲ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ምግላጽ
  • ሕጋዊ ምኽሪ ንምርካብ ግዜ ንኽህልወካ ጉዳይካ ድሒሩ ንክረአ ንምንዋሕ ክትሓትት ይሕግዘካ
  • ምስ ቤት ፍርዲ ወይ ካልኦት ወገናት ወኪሉካ ይዘራረብ
  • ኣብ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ወይ ህጹጽ ናይ ቤት ፍርዲ መመልከቲታትካ ይሕግዘካ፣ ወይ
  • ኣብ ቤት ፍርዲ ንዓኻ ወኪሉ ንክዛረብ።

ኣብ ጉዳያት ሕጊ ስድራቤት፡ ናይ ድጋፍ ጠበቓታት’ውን ኣብ ህጹጽ ጸገማት ሕጊ ስድራቤት ክሕግዙኻ ዝኽእሉ– ከም ናይ ቀደም መጻምድኻ ንውላድካ እንተዘይመሊሶም ወይድማ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምውሳድ እንተፈራሪሖም።

ኣብ ገበናዊ ጉዳይ ገበን ከምዘይፈጸምካ እንተተኣሚንካን ጉዳይካ ኣብታ መዓልቲ ንኽስማዕ እንተተዘርዚሩን ኣብ ቤት ፍርዲ ክውክሉኻ ኣይክእሉን እዮም።

መስርሕ ፍርዲ ማለት መሰኻኽር ናብ ቤት ፍርዲ መጺኦም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ክዛረቡ ከለዉን እቲ ዳኛ ብኽልቲኦም ጠበቓታት ዝቐረቡ ሞጎተታት ምስ ዝምርምርን እዩ።

ሓገዝ እንተደሊኻ ወይ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ክዛረበልካ እንተደሊኻ፡ ቅድሚ ዕለት መስርሕ ፍርድኻ ምስ ጠበቓ ካብ Legal Aid NSW ወይ ሕጋዊ ሓገዝ ምስ ዝህብ ጠበቓ ክትዛረብ ይግባእ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምኽሪ ሕጊና ተወከስ።

ኣብ ኩለን ከባቢያዊ ኣብያተ ፍርዲ NSW፣ ኣብ ኩሉ ቤት ፍርዲ ሕጊ ስድራቤት ዝርከበሎም ቦታታትን ኣብ መላእ NSW ኣብ ብዙሓት ካልኦት ኣብያተ ፍርድን ናይ ድጋፍ ጠበቓታት ኣለዉና።

ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ሓገዝ እንተሃልዩ ንምፍላጥ ኣብ ​​​​Help at NSW courts and tribunals webpage ምክትታል ትኽእል ኢኻ።

ኣብታ መዓልቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ምርኣይን ሓገዝ ምርካብን ብነጻ እዩ።

ሓገዝ ምርካብ እንተቐጺልካ ንሕጋዊ ሓገዝ ብቑዕ ክትከውን ኣለካ ከምኡ’ውን ንዋጋ ጉዳይካ ኣበርክቶ ክትከፍል ኣለካ።

እቲ ክትከፍሎ ዘለካ መጠን ገንዘብ ኣብ ክንደይ ኣታዊ ትረክብን እንታይ ትውንንን ዝምርኮስ እዩ።

ኣብ ጉዳያት ገበናዊ ሕጊ እቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ምኽሪ ጥራይ ዝህበካ እንተኾይኑ፡ ወይ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ዝቐርበልካ እንተኾይኑን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንተሃሊኻን ንሕጋዊ ሓገዝ ብቑዕ ምዃን ኣየድልየካን እዩ። እቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ኣብ ቤት ፍርዲ ይውክለካ እንተኾይኑ ብሓፈሻ ንሕጋዊ ሓገዝ ብቑዕ ክትከውን ከድልየካ እዩ።

ኣብ ጉዳያት ሕጊ ስድራቤት ካብ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ወይ ኣብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝርከቡ ኣገልግሎታት ማሕበራዊ ደገፍ ሓገዝ ንምርካብ ንሕጋዊ ሓገዝ ብቑዕ ምዃን ኣየድልየካን እዩ።

ናይ ሕጊ ቃላት ሓድሓደ ግዜ ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ። እንግሊዝኛ ቀዳማይ ቋንቋኻ እንተዘይኮይኑ ወይ ብኣውስላን ክትረዳዳእ ትመርጽ እንተኾንካ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣስተርጓማይ ክሕግዘካ ትደሊ ትኸውን።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ቤት ፍርዲ ንኣስተርጓማይ ይኸፍል እዩ፣ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትውድቦም ክትረኽቦም ይግባእ።

ቤት ፍርዲ ኣስተርጓማይ ከምዘድሊ እንተ ወሲኑ፡ ነቲ ጉዳይ ምንዋሕ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓና ንክትረኽበና ተርጓሚ ወይ ካልእ ናይ ርክብ ሓገዝ እንተደሊኻ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታና Contact us ኣብ ዝብል ዘለዉ ኣማራጺታት ርኣይ።

ናብ ቤት ፍርዲ ክትመጽእ ከለኻ፡

  • ኩሉ ብዛዕባ ጉዳይካ ዘለካ ወረቓቕቲ ኣኪብካ ኣምጽእ - ኣብ ገበናዊ ጉዳያት እዚ ናይ ፖሊስ ሓቅታትን መወከሲ ባህርያትን ከጠቓልል ይኽእል፣ ኣብ ጉዳያት ሕጊ ስድራቤት እዚ ቅዳሕ ናይ ዝኾነ ትእዛዛትን ካልእ ሰነዳት ቤት ፍርዲን ከጠቓልል ይኽእል፣ ኣብ ፍትሓዊ ሕጊ/ሲቪላዊ ጉዳያት እዚ ቅዳሕ ናይ ዝኾነ ደብዳቤታት ወይ ምስ ሕጋዊ ዝኾነ ጉዳይካ ዝዛመድ ናይ መቕጻዕቲ ምልክታታት ከጠቓልል ይኽእል።
  • ቅድሚ ጉዳይካ ሓደ ሰዓት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ - ነቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ንምርካብ ክትጽበ ከድልየካ ይኽእል እዩ።
  • ምሉእ መዓልቲ ነጻ ከም ዝኾንካ ኣረጋግጽ - ገለ ኣብያተ ፍርዲ ንኹሎም ጉዳያት ኣብ ሓደ ግዜ ስለ ዝዝርዝሩ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምስማዕ ጉዳይካ ገለ ሰዓታት ክትጽበ ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ ምስ ቤት ፍርዲ ክተጻሪ ይግባእ።
  • ተርጓሚ ወይ ካልእ ሓገዝ እንተድኣ ኣድልዩካ ንቤት ፍርዲ ኣፍልጦ፣ ከምኡ’ውን
  • ከም ምርጫኻ ንደገፍ መሓዛኻ ወይ ኣባል ስድራቤትካ ሒዝካ ምጻእ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ድሕነትካ ስክፍታታት እንተሃልዩካ ቅድሚ ናይ ቤት ፍርዲ ቆፀሮ ዕለት ምስ ቤት ፍርዲ ርክብ ብምግባር ስክፍታታትካ ክትዛተ ይግባእ፣ ናብ ህንጻ ቤት ፍርዲ ክትኣቱ ከለኻ ምስ ጸጥታ ክትዘራረብ ይግባእ ወይ ድማ ቅድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምኻድካ ንምዝርራብ ኣብ Contact us መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ዝርዝር ክትጥቀም ይግባእ።

እቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ ኣብታ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረብካላ መዓልቲ ጉዳይካ ክጠቕልሎ ዘይክእል ይኸውን። ጉዳይካ ዝያዳ ዝተሓላለኸ እንተኾይኑ፡ እቲ ናይ ድጋፍ ጠበቓ፡ ሕጋዊ ምኽሪ ወይ ውክልና ክትረክብ ዕድል ንኽህልወካ፡ ንኽናዋሕ (ጉዳይካ ናብ ዳሕረዋይ ግዜ ንምስግጋር) ንክትሓትት ክሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።

ዝያዳ ሕጋዊ ሓገዝ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ካብ Legal Aid NSW ዝመጹ ናይ ድጋፍ ጠበቓታት ንጉዳይካ ንምምራሕ ጠበቓ ሕጋዊ ሓገዝ ንኽትሓትት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ተወሳኺ ኣብዚ ንሕጋዊ ሓገዝ ኣመልክት (Apply for legal aid) ዝብል መርበብ ሓበሬታና ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ካልኦት ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣገልግሎታት እውን ክንውከሰካ ንኽእል ንኸውን።

ኣቦርጅናልን ደሴታት ቶረስ ስትሬትን ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ካብ ናይ Legal Aid NSW ናይ ድጋፍ ጠበቓታት ወይ ካብ Aboriginal Legal Service (NSW/ACT) ጠበቓታት ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካን ኣብ ቤት ፍርዲ ሓገዝ እንተደሊኻን፡ ናብ መስመር ቴሌፎን መንእሰያት ብ 1800 10 18 10 ደውል።

እቲ ሆት ላይን መስመር ቴሌፎን ካብ ሶኒ ክሳብ ሓሙስ ሰሙን ካብ ሰዓት 9am ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ካብ ዓርቢ ሰዓት 9am ክሳብ ሰንበት ፍርቂ ለይትን ኣብ ህዝባዊ በዓላትን ድማ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ይህብ።

Women's Domestic Violence Court Advocacy Services ኣብ ከባቢ NSW ኣብ ብዙሓት ናይ ከባቢ ኣብያተ ፍርዲ ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ይሕግዝ።

ናይ Family Advocacy and Support Services ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ደገፍ ሰራሕተኛታት ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ሕጊ ስድራቤት ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ንዝኾኑ ስድራቤታት ንምሕጋዝ ተዳልዮም ኣለዉ።

ካብ ሕጻውንቲ ቤት ፍርዲ ሓገዝ ፕሮግራም/ Children's Court Assistance Scheme ዝመጹ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ ቤት ፍርዲ ህጻናት ንዝቐርቡ መንእሰያት ይሕግዙ።